Eritrea: Amanuel Sium - sawa Antay 'afreyet? qedamay kfal፡
newsare.net
እዚ ብሽቑረራ ዝተሳቐየ መንእሰይ፣ ገዝኡ ኣትዮም ብተፍታሽ ካብቲ ተሓቢኡሉ ዘሎ ኣውጺኦም፣ ኣብቅድሚ ስድሩኡን ኣሕዋቱን፣ መሰሉን ክብሩን ቀንጢጦም ፣ ከም ዓEritrea: Amanuel Sium - sawa Antay 'afreyet? qedamay kfal፡
እዚ ብሽቑረራ ዝተሳቐየ መንእሰይ፣ ገዝኡ ኣትዮም ብተፍታሽ ካብቲ ተሓቢኡሉ ዘሎ ኣውጺኦም፣ ኣብቅድሚ ስድሩኡን ኣሕዋቱን፣ መሰሉን ክብሩን ቀንጢጦም ፣ ከም ዓሳ ባሕሪ ገፊፎም ናብ ሳዋ ምስወሰዱዎ ፡ ናይ መጀመርያ ዝመሃራ ነገር" ግበር ኣይትግበር ትብል ስራሕ ወተሃደር ኮይና- ኣብሩኽ ሰጥ በል ብዝብል ሓጺር ትእዛዝ ትጅምር። ብዘይፍታው ዝኣተዎ ሂወት በረኻዊ ዕስክርና ተሸኺሉ፣ ሂወቱ ናቱ ከምዘይኮነት፣ ኣእምሩኡ’ውን ክሓስበሉ ከምዘይክእል ድሮኳ ተነጊርዎ’ሎ ማለት’ዩ። ጌጋ ግበር ኣይትግበር ብዘየገድስ፣ እዋሓስ-እግብእ ዘይብሉ፣ ቅድም መቕጻዕትኻ ትቅጻዕ ደሓር ትሓትት ትብል ቄናን ዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣኽብድ ኣቢሎም ይጽዕኑኻ’ሞ- ንሰማዒኡ ዘስደምም ሂወት ባርነት “ ሀ” ኢልካ ትጅምሮ ማለት’ዩ። ስኣን ኣፍልጦን ንቕሓትን፣ዝበዝሑ ነዚ ከይተቃወሙ፣ ብዘይ ሕቶን ሪኢቶን ተቀቢሎም፥ከምታ ዝተነግረቶም ልክዕ ከም ማሽን ከተግብሩ ምስ ጀመሩ ከኣ፥ካብ ዝሓስቡ ሰባት ናብ ዝተባሃሉዎን ዝተኣዘዙዎን ጥራይ፡ዝገብሩ ማሽን ዝዓይነቱ ፍጡር ንምቕያሮም ዝተሃደሰ ነዊሕ-ጕዕዞ ድንቁርና “በ ቡ ..” ኢሎም ይጅምርዎ ኣለዉ ማለት እዩ።እዚ ንነዊሕ ዝጠመተ ጊላታት ናይ ምስራሕ ትልሚ ድማ ብኣጋጣሚ ዝኾነ ነገር ወይ’ውን ሃንደበት ካብሰማይ ዝወደቐ ዱበላ ከምዘይኮነ ንምፍላጥ ድማ ብዙሕ ምምርማርን ፖለቲካዊ ባጅላ ኣየድልን እዩ። Read More ... Read more