Eritrea: Elsa Mesfen - To Conference of Eritrean Women in Hague
newsare.net
መጀመርያ ንነብስና ከም ደቂ ኣንስትዮ ብኩሉ መዳያት ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ዝነበረና ተዓድሎን በጺሕናዮ ዘለና ሃለዋትን ኣዳቒቕና ንንቃሓሉ። ዝተፈላለየን ሰፊEritrea: Elsa Mesfen - To Conference of Eritrean Women in Hague
መጀመርያ ንነብስና ከም ደቂ ኣንስትዮ ብኩሉ መዳያት ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ዝነበረና ተዓድሎን በጺሕናዮ ዘለና ሃለዋትን ኣዳቒቕና ንንቃሓሉ። ዝተፈላለየን ሰፊሕን ተመኩሮታትና ንለዋወጥ፤ ንዛተ፤ ራእይ ነስፍር፡ ንወዳደብ። ካበይ ተበጊስና ኣበይ በጺሕናን ብከመይን ስለምንታይን ንፍለጦ። ነፍሲ-ወከፍ ዓይነት ወጽዓታትና ኣዳቒቕና ነጽናዓዮ። ስትራተጂያዊን ውዱብን ቃልሲ ጥራሕ ስለዘዐውተና ራእይ ነንብረሉ። ንደቂ ኣንስትዮ ንድሕሪት ዝጎትት ባህሊ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ሕብረተ ሰብ ዝሃሲ ምዃኑ ከነረድእ ንኽንክእል በብትንተናታቱን ዓሚቝ ኣፍልጦኡን ንተዓጠቕ። ንነብስና ምስ ኣዳሎና ኢና ንሓቂ ብሓቂ ንውክሎን ንቃልስና ነዐሙቝን፡ መራሕቲ ጉዳይና ኰይና ክንቀርብ ንኽእል። Read More ... Read more