Eritrea: Sacttism - ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ (ዲፕሎማሲያዊ ኣምራት 1ይ ክፋል)
newsare.net
ስለዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት “ሃገረ ኤርትራ” ክንብል እንከለና፡ ብሓጺሩ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኢሳይያስ፡ ተስፋልደት፡ ቻርEritrea: Sacttism - ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ (ዲፕሎማሲያዊ ኣምራት 1ይ ክፋል)
ስለዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት “ሃገረ ኤርትራ” ክንብል እንከለና፡ ብሓጺሩ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኢሳይያስ፡ ተስፋልደት፡ ቻርሊ፡ ማንኪን ኪሻን ማለትና ከምዝኾነ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ፡፡ እዞም ደረት ኣልቦ ጉጅለ እምበኣር፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሸነኻት፡ ዘስዓብዎ ክሳራታት ማእለያ የብሉን፡፡ ሰላምን ምርግጋእን ብዶባት ስለ ዘይውሰን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ኩናት ዝረኸቦ ናጽነት፡ ውሕስነት ንክህልዎ፡ ማዕረ ማዕረ ዘቤታዊ ዕማማት፡ ኣብ ዞባናን ብደረጃ ዓለምን ‘ውን፡ ሰላምን ምርግጋእን ክፍጠር ብንኡስ ዓቕምና ክንጽዕት ዝፈቅድ፡ ብ1991 ምቹእ ባይታ ዋላ እንተተፈጠረ፡ ብሰንኪ ዞም ሒደት ሰባት ከሲርናዮ ኢና፡፡ ፈለማ እግሪ ከይተኸልና ምስ ሱዳንን የመንን፡ ቀጺሉ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየድናዮ ኩናት፡ ዲሒሩ’ውን ኣብ ሶማል፡ ጅቡቲን ደቡብ ሱዳንን ዝተገብረ ጠብሎቕሎቕ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተነጸሎ ኣስዒቡልና ’ዩ፡፡ Read More ... Read more