Eritrea: Abeba Tesfaghiorgis “ምሳኹም ዘረባ ኣሎኒ”
newsare.net
“ምሳኹም ዘረባ ኣሎኒ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ ኣንሆ ቀሪበ ኣሎኹ። ደቂ ኣንስትዮ ብኹሉ ሓይለን እንተዘይኣትዉኦ ቃልሲ ኤርትራ ምተወዓወተ’ዶ ዝብሃል ሕቶ ይሕተትEritrea: Abeba Tesfaghiorgis “ምሳኹም ዘረባ ኣሎኒ”
“ምሳኹም ዘረባ ኣሎኒ” ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ ኣንሆ ቀሪበ ኣሎኹ። ደቂ ኣንስትዮ ብኹሉ ሓይለን እንተዘይኣትዉኦ ቃልሲ ኤርትራ ምተወዓወተ’ዶ ዝብሃል ሕቶ ይሕተት’ዩ። መልሲ ናብ ህዝቢ ክገድፎ’የ። ኣበርክቶኤን ግን እቲ ኩላትና ንፈልጦ ኣሕጽር ኣቢለ ክዝርዝር። ኣብ እዋን ገድሊ፡ ኣብ ገጠር ዝርከባ ኣዴታት፡ መጹ ክብሃል ከሎ ካብተን ዘላተን ግዓተንን ቀጫጭኤን እንተተረኽበ ምስ ሽሮ ትምትሞ፡ ከምኡ’ውን ከድሊ ከሎ ኣሰር ኣሰሮም እናኸዳ ክሕግዛ፡ ኣብ ከተማታት ዝርከባ ናይ ምስጢር ኣብላት ኮይነን፡ ሓቤራታት እናማሓላለፋ ብረት እናሓብኣ፡ ዝተረኽባ፡ እናታኣስራ፡ እናተረሸና፡ ንወጽኢ ትምህርተን ክቅጽላ ዝኸዳ ተማሃሮ ትምህርተን ኣቋሪጸን ኣብ ምሳስን ገድለን እናእተዋ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ብስራሕ ዝኸዳ፡ ዓንዲ ሕቆ ናይ ዓዲ ዘለው ስድራቤተን ኮይነን፡ንገድለን ገንዘብ ጥራይ ዘይኮን ንጽባሕ ከይበላ ማዕረ ወርቀን እናሃባ’የን ሓሊፈንኦ። ብዓቢኡ ድማ መንእሰያት ብረት ዝዓጠቃ ተጋደልቲ ኮይነን፡ ሰንኪለንን ተስዊኤንን። ሓንቲ ተጋዳሊት መንእሰይ ቁምጣ ስረ ዓጢቃ፡ ጸጉራ ቆሪጻ፡ ካላሺን ሒዛ ምርኣይ ዘደንቅን፡ ዘኹርዕን’ዩ ትርኢት’ዩ ነይሩ። ንምሳሌ ኣብ ሓንቲ ስእሊ ብዙሓት ደቂ እንስትዮ ዘለውኣ ሓንቲ ተጋዳሊት ምስ ዕጥቃ እንተትነብር፡ እታ ዝጸበቀት እታ ተጋዳሊት ምተባህለት። ተጋዳሊት፡ በቲ ትጠንስ ትሓርስ፡ ተጡቡ፡ በቲ ድማ ትምርሽ፡ ትትኩስ፡ ትዋጋእ፡ ትስንክል፡ ትስዋእ። Read More ... Read more