Eritrea: ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት - ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት:
newsare.net
እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃEritrea: ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት - ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት:
እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃት ዜጋታትና ከበሳብስ ዝጸንሔ: ንሱ ዝርገቦም ገለ ገል ኣባላት እታ ቤት ማእሰርቲውን ኣብ ቀይዲ ኣቲዮም ኣለው። ዝሓለፈ ሰሙን መራሒ ጉጂለ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዑደት ናብ ዓዲ ኣቤቶ ጌሩ ከምዝነበረን ብሓላፍነት ክትሕተቱ ኢኩም ኢሉ ከም ዝኸደ ተወሳኪ ሓበሪታ ከምዘሎ ንሕብር። ኢሰያስ ካብ ሓላፍነት ንምሕዳም ዝጥቀመሉ ዝበለየ ሜላ ከምዝኾነ ኩላትና ንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ብተወሳኪ: ካብ ዓዲ ኣቤቶን ማይ ስርዋን ብእምነቶም ምኽንያት ተኣሲሮም ዝነበሩ ገለ ካብኣቶም ነጻ ከምዝወጹ ንሕብር። እቲ ቤት ማእሰርቲ ግን ከምዘይተዓጽወን እቶም ዝተፈትሑውን እምነቶም ከምዝኸሓዱን ዳግማይ ኣብ ናይ ፔንተኮስታል (ፔንጠ) እምነት ንዝግበር ምትእኽኻባት ንከይጽንበሩን ፈሪሞም ዝወጹ እዮም። እቶም ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ኢና ዝበሉ ስጋብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘለው ንሕብር። Read More ... Read more