Asmarino | Eritrea: Abeba Tesfaghiorgis ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ «ንጉሰ ነገስት» ናይ ኢትዮጵያ
newsare.net
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቅሩብ ናይ ሰብ ኣታሓሳስባን፡ ንእሽቶ ሕልናን እንተዝነብሮ፡ እዛ ዓለም እዚኣ ንግዚኡ ትጥቀመላ እምበር ንዘለኣለም ዘይትነብረAsmarino | Eritrea: Abeba Tesfaghiorgis ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ «ንጉሰ ነገስት» ናይ ኢትዮጵያ
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቅሩብ ናይ ሰብ ኣታሓሳስባን፡ ንእሽቶ ሕልናን እንተዝነብሮ፡ እዛ ዓለም እዚኣ ንግዚኡ ትጥቀመላ እምበር ንዘለኣለም ዘይትነብረላ ሙዃና እንተዝግንዘብ፡ ድሕሪ ነጻነት ቁሩብ ዓመታት መሪሑ ኣብ ጥሮታ ምኣተወ። ክብረት ድኣ ኣይፈልጦን እዩ’ምበር ክንደይ ምኸበረ። ቅዋም ኣብ ግብሪ እንተድኣ ዊዒሉ፡ ከም ተራ ዜጋ ክኸውን’ዩ። ሙሉእ ዕድሚኡ ኣገባቡ ብዘይኣገድስ ኣብ ስልጣን ክነብር ስለ ዝደለየ፡ ቅዋም ጸላኢኡ ኮይንዎ። እንሆ፡ ኣነ ራእሲ፡ ኣነ ንጉስ፡ ኣነ ሕጊ፡ ኣነ መራሒ እየ። እቲ ባሕሪ ባሕረይ፡ እቲ መሬት መሪተይ፡ ከም ዝመስለኒ ዝሸጦ ዝልውጦ፡ ዝዕድሎ፡ እቲ ህዝቢ ናተይ ከም ድላየይ ዘካላብቶ፡ እንተደልየ ይኣስሮ፡ የሕቅቆ፡ እንተደልየ ኣብ ዉግእ ነቆተ ኣደዳ ሞቱን ኩሉ ዓይነት ስቅያተን ይገብሮ፡ ከም ንጉስ ኮይነ ዝቅመጠለ ዓባይ ኢትዮጵያ ኣላቲኒ ኢሉ ዝተኣመማነ ክምስል፡ ብዘሕፍር፡ ቀዝበዝብን፡ ሸብዳዕዳን መንገዲ ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣራጋጊጹ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ሓደ ዓብይ ነገር ዝስሐቶ ኣሎ። ኢትዮጵያ ንድሕሪት ክትምለስ ዘይኽእላ ዓለም ዝመስከረሎ ዓቢ ለውጢ ጌራ’ያ - ብኣራኣእያ፡ ብፖለቲካ፡ ብኤኮኖሚ። እቶም ጸሊእዎም ዘጸልሞም ዘሎ፡ መንኮርኮር ናይዚ ለውጢ’ዚ እዮም። ንትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ንኢትዮጵያ ብምልእታ ሓራ ከውጽኡ እዮም፡ ኣሽሓት በራውር ደቆም ዝኸፈሉ። ንኣማኢት ዓመታት ዝተጨቆነ ህዝቢ፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ሰላምን ምውህሃድን ክመጽእ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ግን እቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ኣዎንታዊ ለውጢ’ሞ ንግዚኡ ንረስዓዮ፡ ኢትዮጵያ ካብ ደርጊ ተላቂቃ፡ እዚ ስርዓት እዚ ስልጣን ካብ ዝሕዝ፡ እንሆ ሰልሳይ መራሒ ተቀይሩ። Read More ... Read more