ካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ።
newsare.net
ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም ድልውነቱ ዘካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ።
ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም ድልውነቱ ዘረጋገጸ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣመልኪትና ኣብቲ እዋን ዝተሰመዓና ባህታን እቲ ጻውዒት ሰላም ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ክወሃቦ ብዘዕባ ዝኽእል እወንታዊ ወይ ውን ኣሉታዊ ምላሽ ብዝምልከት ዘለና ስክፍታታት ብንጹር ክንገልጽ ፈቲንና ኔርና። እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገመትናዮ፡ ብወገን ኤርትራ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሰዊሩ፡ ብገለ ውሑዳት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራን፡ ብቐንዱ ድማ ብኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ድልየትን ፋሉላዊ ዕንደራን ጥራይ ይፍጸም ብምህላዉ ድማ፡ ፍርህናን ስክፍታናን ካብ ባዶ ዝመንጨወ ዘይኮነስ ኣብ ዱልዱል መርትዖ ዝተሰረተ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዝነበረ ዝያዳ ጋህዲ ኮይኑልና ኣሎ። Read More ... Read more