Asmarino | Eritrea: Abeba Tesfaghiorgis “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደከን”
newsare.net
ሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ከቢድ ሳዕቤን፡ ናይ ሰብ ዘይተኣደነ ህልቂትን ናይ ኤኮኖሚ ዕንወትን፡ ምፍልላይ ስድራቤታትን፡ ናፍቆትን፡ ስደትን ውርደትን፡ ድኽነትንAsmarino | Eritrea: Abeba Tesfaghiorgis “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደከን”
ሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ከቢድ ሳዕቤን፡ ናይ ሰብ ዘይተኣደነ ህልቂትን ናይ ኤኮኖሚ ዕንወትን፡ ምፍልላይ ስድራቤታትን፡ ናፍቆትን፡ ስደትን ውርደትን፡ ድኽነትን፡ ምብሕጓግ ጽቡቅ ባህልታትን ዝኸፈልናሉ ምኽንያት ነብሲ ወከፍ ሰብ መሰሉ ተሓልዩሉ ክኸይድ፡ ማንም ሰብ ልዕሊ ሕጊ ከይከውን፡ ፍትሕን፡ ሰላምን ዝመልኣ ሃገር ንምምስራት እዩ ነይሩ። መሬትካ ክወርስ፡ ጉልበትካ ክምዝምዝ ኢሉ ብረት ዝተጠቅመ ጸላኢ፡ ብብረት ክትገጥሞ ናይ ግድን ኮይኑ። እቲ ኽፉእ ሳዕቤን ግን እቲ ንጸላኢኻ ዘቅናዕካዮ ጥይት ምስ ኣራኣእያኻን ኣተሓሳስባኻን ንዘይሰማማዕ ሐውኻ ወዲ ዓድኻ ሕጥይት ኮይና ህያቡ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ብስም ሀገር ምቅትታል ልሙድ ኮይኑ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ድሕሪዚ ነጻነት፡ ኤርትራ፡ ንኣፍሪቃን ንዓለምን ናይ ሰላምን ራህዋን ተስፋን መርኣያን ክትከውንያ ዝብል ኩሉ ኤርትራዊ እምንት ነይርዎ። ሽሕኳ ብብረት ነጻ ዝወጻ ዓድታት ሰላም እንተተነፈገን፡ ንሕና ግን፡ እቶም መራሕቲ ንሕና፡ ንሕና ድማ እቶም መራሕትና መሲሉና፡ ኣብ ርእስኻ ከይወረደ ብቀሊል ኣይትኣምኖን ኢኻ። ገለ ሰባት እዚ ወሪዱና ዘሎ ሓጥያትና እዩ ይብሉ፡። ኣቱም ሰባት ንሓደ ነገር ዘይትፈልጦ እንተኾንካ ግድን ስም ክትህቦ የብልካን። ህዝቢ ኤርትራ ሰብ’ዩ መልኣኽ ኣይኮነን፡ ግን ንኸምዚ ዓይነት ስቃይ ዘብቅዕ ሓጥያት ፈጺሙ የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ገርህን ኣማናይን ለጋስን’ዩ። ዕድልና ኮይኑ እንተበልና ዝሓሸ ኮይኑ እስማዓኒ። Read More ... Read more