Asmarino | Eritrea: Ogbai Ghebremedhin ኣብ ጽልግልግ ዝኣተወት ሃገርና፡ ካብ ኣፈርክቡ ዕርበት ነድሕና!!!
newsare.net
ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ሜዳ ዝጠጅኦ መርዚ ኦርኒክ ዝሰመዮ ((መዝገብ መንነት) ንደቀባት ዘጥፍኣሉን: ንናይ መንነት ቅልውላው ዘሎዎም ዝሓቝፈሉን ምንባAsmarino | Eritrea: Ogbai Ghebremedhin ኣብ ጽልግልግ ዝኣተወት ሃገርና፡ ካብ ኣፈርክቡ ዕርበት ነድሕና!!!
ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ሜዳ ዝጠጅኦ መርዚ ኦርኒክ ዝሰመዮ ((መዝገብ መንነት) ንደቀባት ዘጥፍኣሉን: ንናይ መንነት ቅልውላው ዘሎዎም ዝሓቝፈሉን ምንባሩ ምንም ኣየስተውዓልናሉን። አረ ገሌናስ ንከላኸሉ ኔርና`ምበር! ዋላ ሕጂ እንተ ኾነስ? በቲ መሳርሒ`ቲ ገይሩ ኣብ ዙርያኡ ሰሪዑዎም ብዘሎ ሓበጀራያት ዕላማኡ ኣብ ፍጻሜ ኣብጺሑዎ እናሃለወ ተሰቊሩና ዲዩ? እንድዒ፡ ኣይመስለንን። ንሓቂ እናሃደምናላሞ ከመይ ኢሉ`ዩ ክስቆረና?!!! ኩሉ መደብ ጥፍኣትና ኣብ ጥርዙ ኣብጺሑ፡ ንኢትዮጵያ ከይዱ ንልኡላውነት ሃገር ከም ዕሸል ኣፍ ልቡ እናሃረመ ኣብ ዕዳጋ ምስ ኣውረደ፣ ስልጣኑ ንመራሒ ኢትዮጵያ ምስ ኣረከበ፣ ድሕሪኡ ናብ ስዑዳያ ከይዱ ሃገር መሬታን ባሕራን ኣብ ቍጽጽር ባዕዲ ምስ ኣእተወ፡፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበረ ህዝቢ ብዓቕሙ ተንሲኡ ከይሰሃሎ ማዕጾ ዛላ ኣንበሳ ምስ እንዳ ኣባሓጎታቱ ተሳማሚኡ ምስ ኣኽፈተን፡ ተዓቢሱ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ንመሬቱ ብጐርፊ ምሕዳግ ዘኸትሎ ሳዕቤን ከይሓሰበ፡ በሽሓት ናብ ኢትዮጵያ ጎሪፉ ፈቐዶ ጐላጕል ትግራይ ተበቲኑ ኣብ ቃልዕ ብዓጸቦ ከም ዝሳቐ ኮይኑ እናሃለወ፡ ድሕሪ`ዚ እንታይ ተረፈ? Read More ... Read more