ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ፡ 'ማንታ ኣደ ስነ-ጽሑፍ ጸላም ኣፍሪቃ'
newsare.net
'ኣደ ስነጽሑፍ ኣፍሪቃ'? ኣበባ፡ ኣብ 1966 ሓንቲ 'ዋይ ኣነ ደቀይ፡ ሰኣን ምምልካትዶ' ዘርእስታ ማሕበራዊት መጽሓፍ ንሕትመት ብምብቃዓ፡ ናይ መጀመርታ ኤርትራዊትኣበባ ተስፋጊዮርጊስ፡ 'ማንታ ኣደ ስነ-ጽሑፍ ጸላም ኣፍሪቃ'
'ኣደ ስነጽሑፍ ኣፍሪቃ'? ኣበባ፡ ኣብ 1966 ሓንቲ 'ዋይ ኣነ ደቀይ፡ ሰኣን ምምልካትዶ' ዘርእስታ ማሕበራዊት መጽሓፍ ንሕትመት ብምብቃዓ፡ ናይ መጀመርታ ኤርትራዊት ጸሓፊት ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝኾነት'ዩ ዝንገረላ። እታ «ኣደ ስነ ጽሑፍ ኣፍሪቃ» ተባሂላ እትጥቀስ ውርይቲ ናይጀርያዊት ደራሲት ፍሎራ ንዋፓ እውን ኣብ 1966 እያ ነታ 'ኢፉሩ' (Efuru) ዘርእስታ መጽሓፍ ንመጀመርታ ግዜ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ደሪሳ። ስለዚ ዋላ'ኳ ኣበባ ተስፋጌርጊስ ዝደረሰቶ መጽሓፍ ብኣፍሪቃዊ ቋንቋ ትግርኛ እንተኾነ፡ መዘና ፍሎራ ንዋፓ ብምዃና «ማንታ ኣደ ስነ ጽሑፍ ኣፍሪቃ» እንተበልናያ ኣይበዝሓን'ዩ። እኳ ድኣስ ብኣፍሪቃዊ ቋንቋ ምጽሓፋ ዝያዳ ናእዳ ይግባኣ ኢልካ ክምጎት ይከኣል ይኸውን። Read More ... Read more