Eritrea: Abeba Tesfaghiorgis ተልዓል ህዝቢ ኤርትራ ኣጽዋርካ ሒዝካ ትሽየጥ ኣላ ሃገርካ ምስ ህዝባ ምስ ኩሉ ኹላ
newsare.net
“ኢሳይስ እምበርዶ ኤርትራዊ’ዩ?” እያ ትብል። መልሲ ድማ ተዋሂብዋ’ዩ ግን ክውስኸላ። ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ድኣ እምብር ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ናይ ህዝEritrea: Abeba Tesfaghiorgis ተልዓል ህዝቢ ኤርትራ ኣጽዋርካ ሒዝካ ትሽየጥ ኣላ ሃገርካ ምስ ህዝባ ምስ ኩሉ ኹላ
“ኢሳይስ እምበርዶ ኤርትራዊ’ዩ?” እያ ትብል። መልሲ ድማ ተዋሂብዋ’ዩ ግን ክውስኸላ። ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ድኣ እምብር ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ናይ ህዝባ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ፈጺሙ ከም ዘይደሊ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሔ ክቱር ጽልእን፡ ንዕቀትን ከም ዘለዎ ዘመስከረ ምስቲ መሰታ ወዱ ዝኸውን ብዘሕፍር ፍሽኩልና ‘ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና’ ዝበሎ ሓዲሽ ጠቅላይ ሚንስተይ ናይ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ርክቡ’ዩ። ብተወሳኺ መንእሰያትን ሕጻናትን ኤርትራ ወለዲ ኸልዎም ዝዘኽተሙ፡ ብሰሪ ኣዕናዊ ዝኾነ ጨካን መሪሕነቱ ኣብ ፈቀዶ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ ዘለውን፡ ዝፈትውዋ ዘይሓንቀቁላ ዓዶም ቁሊሕ እናበሉ ንድሕሪት ገዲፎምዋ እናኸዱ - ዓለም ዘስካሕካሓሉ ግዳይ ማሕረድትን ቀለብ ዓሳታትን ዝኾኑ - ኣብ ፈቀዶ መዓስከራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ሊብያን ዘለው ወሰን ኢሉ ፈጺሞም ከም ዘየለው ቆጺሩ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝርከቡ መናእሰይን ቆልዑን ክሐቁፍን ክስሕቅን ምስ ተራእየ እዩ። እቲ ሕቶ እምባኣር እምበር’ዶ ሰብ’ዩ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ደቂ ሰባት ካብ ዝፈላልዮም ሓደ ዝገብሮም ኣዝዩ ይበዝሕ። ኢሳያስ ካብ ኢትዮጵያ ይምጻእ፡ ካብ ናይጀርያ፡ ወይ ኢማራት፡ ብናይ ማንም ሰብ ጽቡቕ ዘይሕጎስ፡ ጨካን ግን ከኣ ሬሳ ከይተረፈ ዘባህርሮ፡ ደም ኤርትራውያን ሰትዩ ገና ዘይጸገበ፡ ሰብ ኢልካ ክትጽውዖ ዘጸግም ፍጥረት እዩ። Read More ... Read more