Asmarino | Eritrea: Ogbai Ghebremedhin ይኣክል! ይኣክል!! ንኹሉ ዕንቅፋታት ቃልሲ ሓርነትን ፍትሕን!!
newsare.net
ዕላማ ናይ`ዚ ዓንቀጽ`ዚ፡ ኣብ ልዳት ዝተጠልመ መበል 28 ብዓል ናጽነትና፡ ኣብ ጐኒ`ዚ ብሓይሊ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ይኣክል መቓልሕ ህዝቢ፡ ኣብ ደምዳሚ ዓወት ንምብጻሕAsmarino | Eritrea: Ogbai Ghebremedhin ይኣክል! ይኣክል!! ንኹሉ ዕንቅፋታት ቃልሲ ሓርነትን ፍትሕን!!
ዕላማ ናይ`ዚ ዓንቀጽ`ዚ፡ ኣብ ልዳት ዝተጠልመ መበል 28 ብዓል ናጽነትና፡ ኣብ ጐኒ`ዚ ብሓይሊ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ይኣክል መቓልሕ ህዝቢ፡ ኣብ ደምዳሚ ዓወት ንምብጻሕ ከነተኵረሎም ዝግብኣና ኣገድስቲ ነጥብታት ንምጕላሕ ኢዩ። ኤርትራውያን ብባህሪያዊ መሬታውን፡ ባሕራውን ኣየራውን ጸጋታታ ተጠማቲትን ተባሃጊትን ልዋም ሃገር ስለ ዝተጸገና፡ ነማኢት ዓመታት ግዳያት ሰንሰለታዊ መግዛእትታት ኴንና ሓሊፍናዮ። ድሕሪ ነዊሕ መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ንናጽነት ምኽፋልና ኸኣ፡ እነሆ ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ናጽነትና ጸልሚቱ ራሕሪሕናያ ብምኻድ፡ ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ምሉእ ዓለም ተባታቲንና፡ ስድራቤት ብጽምዋ ዝሕልሕል ኣቲዩዋ፣ ሃገርና ግዳይ ሕብረተሰባዊ ምብሕጓጕ ኮይና፣ ከም ኣብ ዓጋም ዝተጸግዐ ቆልቋል ኪነብዕ ዝነብር፡ ክትነብዕ ኣማዕዲና ንርእያ ኣለና። መንእሰያት ደቃ ብልዑል ትምህርቲ በሲሎም ንምምዕባላ ኣብ ክንዲ ዝዋናጨፉ፡ ኣብ ዓለም ዘይተገብረ ኣብ ልዳት ናጽነት ሓንቲ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ተዓጺያ መሰል ዕድል ትምህርቲ ምስ ጸልመተ፡ ግዳያት ኣጽናቲ ኲናታትን፡ ደረት ኣልቦ ወተሃደራዊ ወፍሪ ባርነትን፣ ስደትን ጥፍኣት ምድረበዳታትን፡ ማእከላይ ባሕርን፡ ዕዳጋ ኮላሊትን ኮይኖም፡ ሃገር ዘኺቲማ ኣብ ኣፈርክቡ ህሞት ኢና - ይኣክል ንብል ዘለና። እዚ ካብቲ ናይ ምጽናትን ምዕናውን ገበን ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ነጠብታ ካብ ባሕሪ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ምሉእ ዝርዝር ገበን ፋ.ው.መ. ኢ. ክሳብ ሎሚ ክጽሓፈሉን ክዝረበሉን ዝጸንሐ፣ ብዓቢኡ ኸኣ ስምብራት ቍስሉ ኣብ ልብን ኣእምሮን ህዝቢ ኤርትራ ተሰሪቱ ስለ ዘሎ ድሕሪ ደጊም ምዝርዛሩ ኣድላዪ ኣይኮነን። እቲ ሕጂ ክትኮረሉ ዝግባእ፡ ከም ህዝቢ ብሓባር ናይ ምእላዩ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ብሰፊሕ ዝለዓዓል ዘሎ መንፈስ ቃልሲ ንሓርነት ፍትሕን ተስፋ ዘስንቕ ኮይኑ፡ ንፋሺስታዊ ስርዓት ካብ ሱሩ ነቒሉ ትንሳኤ ሃገር ዘበስር ማዕበል ከም ዝኸውን ካብ ምግባሩ ካልእ ኣማራጺ የለን። እዚ ንምግባር ግን፡ ሓዲስ ኣይኹን`በር፡ ንዓወትና ወሰንቲ ስለ ዝኾኑ፡ ብዕትበት ክንጥምቶም ዝግብኣና ነጥቢታት ክጠቅስ እደሊ። Read More ... Read more