1) እታ ዕለት ! 2) ልሳን ዕቡሳት ብድምጾም (2001)
newsare.net
ካብ ስቱድዮ ወጺኤ ነቲ ኣብ መስመር ተለፎን ዝነበረ ሰብ ከዘራርቦ ብኢዳ ኣመልከተትኒ።….“ዕብዳን ድዩ ጽላለ!’’…ኣስደመመኒ። ሰዓት እናኣኸለ ደኣ ናበይ ክወ1) እታ ዕለት ! 2) ልሳን ዕቡሳት ብድምጾም (2001)
ካብ ስቱድዮ ወጺኤ ነቲ ኣብ መስመር ተለፎን ዝነበረ ሰብ ከዘራርቦ ብኢዳ ኣመልከተትኒ።….“ዕብዳን ድዩ ጽላለ!’’…ኣስደመመኒ። ሰዓት እናኣኸለ ደኣ ናበይ ክወጽእ፧ ደጊማ ናይ “ንዓ’’ ምልክት ክትገብረለይ እንከላ ሰንፈላል ኮይናን ተረቢሻን ከምዝነበረት ኣብ ገጻ ይንበብ።…..“እንታይ ህጹጽ ነገር ተረኺቡ፧’’….ኢለ ኣዕዘምዘምኩ። ቅድሚ ንባብ ምጅማርካ ትንፋስካ ከተርግእ ስለዘድሊ፡ ሰዓት ኣብ ምእካሉ ካብ ስቱድዮ ክወጽእ ኣይደለኹን። ኣብ ወርሒ ለካቲት 1999 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ ግንቦት 2000 ዓ.ም. ዝተኻየደ ብ“2ይን 3ይን ወራር’’ ዝፍለጥ ዶባዊ ውግእ ክጅመር እንከሎ (ክልቲኡ ቀዳማት) እውን ናይ ረፍዲ ተረኛ ብምንባረይ፡ ንዕኡ እናዘከርኩ…“ሕጂ’ኸ እንታይ ተረኽበ፧’’ በልኩ። ካብ ስቱድዮ ወጺኤ፡ ነቲ ኣብ መስመር ዝነበረ ሰብ ከዘራርብ ግድን ምዃኑ ካብ ኩነታት ኣጸዋውዓ ናይታ ተክኒሻን ምስተገንዘብኩ ድማ፡ ካብ ኮፍ ኢለሉ ዝነበርኩ መንበር ተንሲኤ፡ ነቲ ድርብራብ መዓጹ ናይ ስቱድዮ ከፊተ ወጻእኩ’ሞ ንልዓት ናይ’ታ ተለፎን ኣልዓልኩ። Read more