ሸርሕን ውዲትን የማነ (ማንኪ) ንኤርትራን ህዝባን ካብ ማእሲ ናብ ጋህሲ የሳሲ
newsare.net
ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ እኩይ ተግባራት ናይ የማነ ገብረኣብ፡ ብሓላፊ ፖለቲካውን ውደባውን ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝፍለጥ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ዘውርሸርሕን ውዲትን የማነ (ማንኪ) ንኤርትራን ህዝባን ካብ ማእሲ ናብ ጋህሲ የሳሲ
ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ እኩይ ተግባራት ናይ የማነ ገብረኣብ፡ ብሓላፊ ፖለቲካውን ውደባውን ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝፍለጥ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ዘውርዶ ዘሎ ሳዕቤን ብዝምልከት ክንገልጽ እንከለና እነመሓላልፎ ሓደራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኣስጋእነትን ሓደገኛነትን ናይዚ ብልኡኽ ኢሳይያስ ዝካየድ ዘሎ ኣጽናቲ ተግባር ብግቡእ ተረዲእካ፡ ብመጀመርታ ንገዛእ ርእስኻ፣ ብምቕጻል`ውን ንቤተ ሰብካ፣ መቕርብካን ሃገርካን ካብዚ ዝካየድ ዘሎ ውዲት ንምድሓን፡ ሰብኣዊ ሕልናኻ ክተበራብርን ኣብ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ድማ እጃምካ ክተበርክትን ኣጥቢቕና ንላቦ። የማነ ገብረኣብ፡ ንሰይጣናዊ ሕልምታት ውልቀ መላኺ ብዝግባእ ኣብ ባይታ ክትግብሩ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ብጥንቃቐ ተሓርዮም ካብ ዝተመልመሉ እቲ ሓደን ቀንድን እዩ። ብርግጽ ድማ፡ ምስቲ ሎሚ ነዛ ሃገር ንምጥፋእ ዘካይዶ ዘሎ እኩይ ስራሕ ኣወዳዲርና ክንርእዮ ከለና እቲ ዝተገብረ ምልመላን መረጻን ብኣንጻር ዝተነብረሉ ትጽቢት ክረአ እንከሎ ጌጋ ኣይነበረን። Read More ... Read more