Abeba Tesfaghiorgis - mengedi dHan jemiru (መንገዲ ድሓን ጀሚሩ)
newsare.net
እወ፡ ኣብ ክንዲ ቤት ትምህርታትን ፡ ሆስፒላታትን፡ ሕርሻን፡ ትካላትን ዝምዕበል፡ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ዓጺኻ ኣብ ፈቀዶ ከተማታትን፡ ገጠራትን፡ በረኻታትን ከAbeba Tesfaghiorgis - mengedi dHan jemiru (መንገዲ ድሓን ጀሚሩ)
እወ፡ ኣብ ክንዲ ቤት ትምህርታትን ፡ ሆስፒላታትን፡ ሕርሻን፡ ትካላትን ዝምዕበል፡ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ዓጺኻ ኣብ ፈቀዶ ከተማታትን፡ ገጠራትን፡ በረኻታትን ከይተረፈ ቤት ማእሰርትታት ከም ቃንጥሻ ዓሳ በቁሉ ዓምቢቡ ፈርዩ ኢ-ሰብኣዊ ኣጎልጉሎቱ ይሃብ ኣሎ። ሰባት ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ፡ ሃለዋቶም ከይተፈልጠ ንዓመታት ተኣሲሮም ከም ጨው ሓቂቆም። ኣብቲ ዋና ኣብ ሕቅፎ ስድርኦም ኮይኖም ብህብረተሰቦም ማእኪሎም ትምሃርቲ ዝቀስምሉ፡ ኣካለ መጠን በጺሖም ሰብ ዝኾኑሉ ዋና ጊዚኦም መንእሰያትና ናይ ሰብ ጽሩራን ናይ ባህርያዊ ሀብቲ ሃገር ዝግሕጡ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ባሮት ኮይኖም። እተን ፍርያተን ንወጻኢ ሰዲዲን ናይ ወጺኢ ሸርፊ ከምፅኣ ዝኽእላ ትካላት ከይተረፋ ተዓጽየን። መሃንዲሳትን፡ ኢንጂነራታትን ካብ ሃገር ተባሪሮም። ገዛውቲ ከም ዘይስራሕ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተሰርሔ ምስምስ ጌርካ ብቡልደዘር ምፍራስ ኮይኑ። ማይ ሲኢና ተጣሪዕና እንተተባህለ መልሲ በሽካዕላል፡ ብንዕቀት “ኪዱ ኣብ ማይ ዘልዎ” ኮይኑ። ህዝቢ ከይበልዕ ብከብዱ፡ ከይዛርብ ብኣፉ፡ ከይጽሕፍ ብኢዱ ምስ ተታሕዘ፡ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሉ ብኣሽሓት እናተሰደ፡ ኣብ ፈቀዶ ናይ ስደታኛታት መዓስከራት ከርተት እናበለ፡ ኣብ መንግዲ ስደት ኩሉ ዓይነት ሓሰረ መከራ ዓለም ዘስካክክሕ ዘሎ እናጋጠሞ፡ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ምግሃስን፡ ኣሬማናዊ ተግባር ማዕረ ቀቲልካ ክፍሊ ኣካላት ንዕዳጋ ምውራድን፡ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ምሽማምን፡ ዕለታዊ ናብራና ኮይኑ ከሎ ድሓን ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን። Read More ... Read more