newsare.net
እንሆ እምበእር መወስኽታ ዝሐለፈት መልእተይ ወዲኤ። ካብተን ናይ ሎሚ መዓልቲ ከቅርበን ዝበልኩ ነጥብታት ብሓንቲኤን ክጅምር፡ ቀዳመይቲ፡ ወትሮ መዓልቲ ህጹጽEritrea New Year Message by Abeba Tesfaghiorgis Part 2 ~~ ካልኣይ ክፋል መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ብኣበባ ተስፋገዮርጊስ
እንሆ እምበእር መወስኽታ ዝሐለፈት መልእተይ ወዲኤ። ካብተን ናይ ሎሚ መዓልቲ ከቅርበን ዝበልኩ ነጥብታት ብሓንቲኤን ክጅምር፡ ቀዳመይቲ፡ ወትሮ መዓልቲ ህጹጽ ቆላሕታ’ኳ ዘድልዮ እንተኾነ፡ እቲ እዝንና ለሚድዎ፡ እቲ መንፈስና ሓሳረ መከራ ምርካብን ምስማዕን በዚሕዎ፡ በዝን በትን ደንዚዙ፡ ሓሞትና ፈሲሱ፡ መብዛሕትና፡ እዝንና ኩኩዕ መሊእናዮ፡ የዒንትና ድማ ክንሪኦ ዘይንደሊ ምእንቲ ከይንርኢ ጭልምልም ኣቢልናየን ኢና። ሕጂ ግን ኩነታት ስደተኛ ህዝብና ካብቲ ዝገደደ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ እንሆ ኣብዛ ተስፋ ንገብረላ ዘለና ሓዳስ ዓመት 2018 ነቲ ገዚፍ ዕማም ሓቢርና ንመክቶ። Read More ... Read more