newsare.net
ኣብዚ ዘለናዮ ተኣፋፊ እዋን፡ ኣብ ጭብጥን መርትዖን ዝተደረኸ፡ ጽጹይ ሓበሬታ ንህዝቢ ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ምኻኑ እኣምን፡፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ብዙሓት ዘይተረEritrea: Sacttism ~~ እዋናዊ ዛዕባ ሰነ 14፡ 2018
ኣብዚ ዘለናዮ ተኣፋፊ እዋን፡ ኣብ ጭብጥን መርትዖን ዝተደረኸ፡ ጽጹይ ሓበሬታ ንህዝቢ ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ምኻኑ እኣምን፡፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ብዙሓት ዘይተረጋገጸን ዘይጥሉል ሓበሬታ ኣብ ዝፍንውሉ ዘለው ኣብዚ እዋን፡ ንሕና ከም ኤርትራውያን ኣብ ስትራተጅካዊ ሃገራዊ ጉዳያትና ህድእ ኢልና፡ ንነገራት ክንርዳእን ኣመታቱ ክንግንዘብን ይግባእ፡፡ ብዝኾነ ከምቲ ትዕዘብዎ ዘለኹም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ለውጥታት ይረአ ኣሎ፡፡ ንዓና ብቐጥታ ዝጸልወና እዋናዊ ውሳነ ኣልጀርስ ውን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ መዘራረቢ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ፡፡ ብዛዕባ እዞም ለውጥታት ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ከይተሓጸርና፡ ብኣህጉራዊን ዓለማዊን መለክዒታት‘ውን ምጥማት የድሊየና ኣሎ፡፡ ብወገነይ ነዞም እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪተ፡ ኣብ ቀረባ ሓደ ሓበሬታ ከምዝፍንወልኩም እንዳዘኻኸርኩ፡ ንሎሚ ገለ ምስዚ ሰሙናዊ ለውጥታት ምትእስሳር ዘለዎም ጉዳያት እፍንወልኩም፡፡ Read More ... Read more