newsare.net
ወሳኒ ተራ መሪሕነት፡ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ክልተ ባህሪያት ዝሓዘለ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ባህሪ ወሳንነት መሪሕነት - ብከም ሩሲያዊ ጆዘፍ ስታሊን፡ ቺናዊ ማኦAsmarino | Eritrea: Ogbai Ghebremedhin ወሳኒ ተራ መሪሕነት!!!
ወሳኒ ተራ መሪሕነት፡ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ክልተ ባህሪያት ዝሓዘለ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ባህሪ ወሳንነት መሪሕነት - ብከም ሩሲያዊ ጆዘፍ ስታሊን፡ ቺናዊ ማኦ፡ ጀርመናዊ ሂትለር፡ ሩሜናዊ ቻውቸስኪዩ፡ ካምቦድያዊ ፖልፖት ወ.ዘ.ተ. - ከም ላዕልዎት ኣብነት ወልቀመለኽቲ ዝስመዩ፣ ብኣዚዩ ኣዕናውን ኣጽናትን ኲናታት፡ ብሰይጣናዊ ጭቆናታትን ፍጹም ሰብኣዊ ግህሰታትን ዝፍለጡ መርገም ነፍስወከፍ ህዝቦምን ምሉእ ዓለምን ምንባሮም ይፍለጥ። ኣብ ውሽጢ ሃገራቶምን ካልኦት ሃገራትን ዝፈጠሩዎ ጸልማት፡ ወረስቱ በሪሶም ዝጸነቱ ስድራቤታትን ዘጽነትዎም ኣህዛብን ቆጺርካ፣ ዘዕነውዎ ንብረት ዓቂንካ ዘይወዳእ፣ ክሳብ ሎሚ ዘይሓወየ ዝሓደጉዎ ዓሚቝን ሰፊሕን ስምብራታት ዘይሃስስ ምዝጉብ ታሪኽ ኢዩ። ኣብ ዓለም ብምልካዊ ስርዓት ዚርገጽ ሰላማዊ ህዝቢ፡ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ሓሪሙዎ ሓሳቡ ከይገልጽ ተዓቢሱ፣ ብዓጸቦን ሕማምን ማሲኑ ብማሕለኻ ፍርሃት ህሉው ምዉት ዝኾነ ኣህዛብ ብቢልዮናት ዝግመት`ዩ እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝወጸ ኣይኸውንን። Read More ... Read more