newsare.net
ህግደፍ ንህዝብን መሬትን ኤርትራ ናብ ጸላእቱ ቀይርዎም። ክንዲ ዝኾነ ክኣ ህዝብን ህግደፍን ዝነበሮም ናይ ወላድን ውሉድን ዕትብቲ ይኹን ህዝባዊ እምነትን ተስAsmarino | Eritrea: Tsegay Asmerom «እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር»
ህግደፍ ንህዝብን መሬትን ኤርትራ ናብ ጸላእቱ ቀይርዎም። ክንዲ ዝኾነ ክኣ ህዝብን ህግደፍን ዝነበሮም ናይ ወላድን ውሉድን ዕትብቲ ይኹን ህዝባዊ እምነትን ተስፋን ተበቲኹ። በዚ ድማ ህዝባዊ ሰረቱ ተማሕዩ። ወተሃደራዊ ማሓውር ህግደፍ ብሚሒር ጭቆና ምስ ሰራዊቱ ሕቖን ከብድን ኮይኖም። ምስ ናይ ውሽጥን ወጻእን ዲፕሎማስያዊ ልፍንቲታቱ በቲኽዎ'ዩ። ቁጠባዊ ኣካላት ህግደፍ ክለምሱ ዝሰረሐ ውን ባዕሉ'ዩ። እዚ ኩሉ ድማ ውጽኢት ፖሎቲካዊ ፍልስፍና ህግደፍ ኣብ ሰላም ከነብር ዘይክእል መፈጠር ስለ ዘለዎ'ዩ። ህግደፍ በዚ ኩሉ ምኽንያታት ንገዛእ ርእስይሱ'ኳ ንኸይ ነብር ሰሪሑ'ዩ። ደምበ ተቓውሞ ድማ ነዚ ኩሉ ዕድላት ተቐቢሉ ስለ ዘባኸኖ ህግደፍ ሂወት ሶዂዑ ትልኽ ንክብል ሰሪሑ'ዩ። ህላወ ህግደፍ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፖሎቲካዊ ሞቖምያታት ዝተተኸለ ዘይኮነስ፡ ደምበ ተቓውሞ ውጽኢት ውደብኡ ልዕሊ ንደምበ ተቓውሞ ንህግደፍ ዘርብሕ ብምዃኑ'ዩ። ህግደፍ ንረብሓ ደምበ ተቓውሞ ክውዕል ዝኽእል፡ ኩሉ መዳያዊ ሃብቲ ኣሕሊፉ ንደምበ ተቓውሞ ሂብዎ'ዩ። ደምበ ተቓውሞ ግን ናብ ረብሓ ቃልሱ ከውዕሎ ኣይከኣለን። በዚ ድማ ህግደፍ ንኽቕጽል መሰረታዊ ዋሕስ ኮይኑዎ'ዩ ደምበ ተቓውሞ። Read More ... Read more