newsare.net
ዎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ጽፍሒ ሓላፍነት መንግስቲ፥ ኩሉኹም ኣዘዝቲን ኣባላትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፥ መንእሰያትን፡ ከምኡውን ኣብAsmarino | Eritrea: ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ - ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና
ዎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ጽፍሒ ሓላፍነት መንግስቲ፥ ኩሉኹም ኣዘዝቲን ኣባላትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፥ መንእሰያትን፡ ከምኡውን ኣብ ደገን ወጻእን እትርከቡ ኣባላት ህግደፍ ብፍላይ፥ እዚ ዘለናዮ ህሞት ሃገርና ብሓቂ ወካሊ ዘይብላ ሃገር ምዃና ዝተነጸረሉ፥ ካብ ኢድና ወጺኣ ንባዕዳዊ ዋንነት ክትርከብ በቲ ዝኣመንክምዎ ልዑል ሃገራዊ ክሕደት ተፈጺሙ፥ ሃገር ሓንሳብን ንሓዋሩን ዋንነትኩም ትስእንሉ ናይ መጨረሻ ሰዓት በጺሑ ይርከብ። ሎሚ እቲ ምርጫ ንጹር እዩ። ንውዲት ጉሒላ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኢድካን እግራኻን ኣጣሚርካ ብምዕዛብ፥ ሃገር ዘይብልካ ምትራፍ፥ ወይ ድማ ሓንሳብን ንሓዋሩን መንነትካ ምርግጋጽን ንትንሳኤኻ ደው ምባልን እዩ። ልዑል እምነትና እዚ ዳሕረዋይ ምርጫ እዩ፡ ኤርትራ ኣደ ወራዙት፥ ኤርትራ ኣደ ጅግንነት፥ መኸተን ጽንዓትን፡ ኤርትራ ኣደ ሕግን ኣገባብን ክብረትን፥ ኤርትራ ኣደ ትብዓትን ቆራጽነትን፥ ኤርትራ ኣንጻር ክሕደትን ጥልመትን ምዃና ዳግም ነረጋግጸሉ ሰዓት ሕጂ እዩ። ጸላኢና ሓደን ሓደን ጥራይን ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። ክህልወና ዝኽእል ሓሳባት ትሕቲ ኤርትራ ዝስራዕ ጥራይ ምዃኑ ኣሚንና ብሓባር ክንለዓልን ንኢሰያስ ወጊድ ብምባል፥ ሃገርና፥ክብረትና ንምለስ፡ ትንሳኤና ነውሕስ። Read More ... Read more