newsare.net
Hidden Motives in Every Day Life: The Elephant In the Brain – Kevin Simler Robin Hanson 2018 ትብል ሓዳስ መጽሓፍ ምሳይ ተማሊአ፡ ኣብ ጎረበተይ ካብ ትርከብ ስታርባክስ Grande latte + extra shot {ሓቂ’ሓይንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት’ዩ ብትግረ።
Hidden Motives in Every Day Life: The Elephant In the Brain – Kevin Simler Robin Hanson 2018 ትብል ሓዳስ መጽሓፍ ምሳይ ተማሊአ፡ ኣብ ጎረበተይ ካብ ትርከብ ስታርባክስ Grande latte + extra shot {ሓቂ’ሓይሽ ፍሪ-ድሪንክ ስለዝንበረት’የ ወስኹላ ኢለዮም!} ሒዘ፡ ኣብ ዩ-ቱይብ ዘሎ ሰበር ዜና ብዛዕባ ማዕበል ለውጢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሰሰሚዐ ንበይነይ እናሰሓቕኩ፡ ስሕት ኢለ ድማ ኣቫሎን 120 ኪሎ ሜትር ኣብ ሰዓት ትኸይድ ከምዝነበረት ከይዘንጋዕኩ ነቲ ብድምጺ ዝሰምዖ ቪድዮ ክርኢ እናፈተንኩ፡ መንገዲ ኣርባዕተ ሰዓት ጀሚረዮ። እንተስ ንግሆ ኮይኑ እንተስ ቀዳም ኮይኑ ግን ኣብ ማእከል ከተማ ይኹን ኣብ’ቲ ብማእከል ቻርሎት ሓሊፉ ንኣትላንታ ብሕምብርታ ዝስንጥቓ Interstate 85 (I - 85) ዝቆራቖሳ ብዙሓት መካይን ኣይነበራን። ስለ’ዚ ሰዓት ዓሰርተ ንግሆ ናብ’ቲ ናይ ፈስቲቫል ቦታ Eritrean community Center በጻሕኩ። እንተኾነ ግን ክሳዕ ሽዑ ዘይድሃብኩሉ ኩነታት ኔሩ። ናይ ቀዳም መደብ ፋዱስን ፈረቓን ተመሲሓካ ከምዝጅመር ተዓጽዩ ምስ ጸንሓኒ ኢየ ተለፈነይ ፈቲሸ ዝተገንዘብኩ። ካብኡ ዝሓይሽ እማራጺ ስለዘይነበረ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ስታርባክስ ከየደ መጽሓፈይ ገንጸልኩዋ። ኣብ ገጽ 7 ምስ በጻሕኩ ዕላማ ናይ’ታ መጽሓፍ፡ “What will emerge from this investigation is a portrait of the human species as strategically self-deceived, not only as individuals but also as a society.” ዝብል ነጸብራቕ ባህርይ ደቂ-ኣዳም እናስተንተንኩ ሰዓት ኣኺሉ ናብ ኣኼባ ተጸንበርኩ። ኣብ’ቲ ኣዳራሽ ዝነበርና ሰባት ንሚእቲ ንምልኣ ኣይመስለንን። ካብ’ቶም ተኣከብቲ ሓደ ኽልተ ፈውሲ ግስም እንተዘይኮይኑ ዳርጋ ኩላትና፡ ዝግዝጎ’ምበር ቆሎ ዓተር ክንቁርጥም ዘይንኽእል ኢና ኔርና። ስሩዕ መደብ ክሳዕ ዝጅመር በቦታና ሒዝና ቁሊሕሊሕ ምስ ጀመረና፡ ኣብ’ቲ ኣስተምሃርቲ ኮፍ ዝብሉሉ ጠረጴዛ ዝተዓዘብኩዎ፡ ተረፍ ናይ ዓርቢ ኮይኑ፡ ናብ ዓሰርተ ዝበጽሕ ኣብ ብጫ ወረቐት ዝሰፈረ ኣስማት ናይ ውድባት ኔሩ። Read More ... Read more