newsare.net
ብመሰረት ቅድሚ 3 ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም “ኣብ ሚዲያ ብኹሉ ሸነኻት ተሳዒርና ኢና” ዝብል መደምደምታ ስለዝነበረ ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት ሓያሎ ዜናEritrea: Sacttism - እዋናዊ ዜናታት 26.5.2018
ብመሰረት ቅድሚ 3 ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ዝተገብረ ገምጋም “ኣብ ሚዲያ ብኹሉ ሸነኻት ተሳዒርና ኢና” ዝብል መደምደምታ ስለዝነበረ ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት ሓያሎ ዜናዊ ጎስጓሳት ብምክያድ ኣብ ሚዲያ ዘሎ ዝሕታለ ንምብርባር ብሓፈሻ 205 ሚሊዮን ናቕፋ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ወጻእ ተገይሩ እዩ፡፡ ብጀካ ንኮማዊ ዳሳት ካብ ህዝቢ ዝዋጻእ ገንዘብ ብቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ጥራይ ንኹለን ኣካላት መንግስትን ግንባራትን ክፍላተ ሰራዊትን ባጀት ሰሊዑ ብጎይላን ደበላን ንክሓልፍ ዝተገብረ መበል 27 ዓመት ጽንብል በዓል ናጽነት ከምቲ ዝተዓዘብኩምዎ ብዓጀውጀው ዘረባታትን ክስታት ንወጻእተኛታትን ተዛዚሙ ኣሎ፡፡ ከም ኣካል ኣብ ሚዲያ ክግበር ዝተወጠነ ቀጻሊ ጎስጓሳት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዋስኡ ገለ ዕሱባት ብምንዳይ ንህዝቢ ከደናግሩ ባጀቶም እውን ብኢምባሲታት ክስለዓሎም መደባት ይወጽእ ኣሎ፡፡ Read More ... Read more











